• July 16, 2023
  • ኣያም ሚድያ
  • 0

ኣያም ሚድያ ድሕሪ መስካሕክሒ ኵናትን ዕንወትን ዝተጣየሽ ሚድያ እዩ። ምንጪ እቲ ፀገም ክረክብ ኣያምታዊ ኣለሻ ይገብር። ኣብ ትግራይን ህዝባን ዝበፅሑ ዕንወታት ኣያም ኢሉ ብእርይ ቑፅሪ የፅንዕ፤ በሰላ ስምብራት እቲ ህሞት ብኣያምታ ይስንድ! ብምርመራ ብዝበፅሖም መረዳእታታት ተሓጊዙ ተሓታታይነት ክህሊ ይሰርሕ። እቲ ዓብላላይ ልሙድ ኣከዋውዳ ክሙገትን ክግጠመሉን መማረፅቲ ሓሳባት ናብ ቕድሚት ክመፁን ዕድል ንምፍጣር ዓሊሙ ዝመፀ እዩ። ነቲ ዘሎ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ዝንቕንቑ መደባት ብዘይ ስግኣት የቕርብ።

ዓለምለኻዊን ከባብያዊን ምህዳር ብዓቢ ኣቓልቦ ኣያም ኢሉ የማነ ፀጋም እናተኸታተለ ካብ ተረፍ መረፍ ዝደስከሉ ኣተሓሳስባታትን ሓተላታት ድሕረትን ሕመቓትን ዝፀረየ፣ ኣብ ዝርዝር ሓበሬታታት ተመስሪቱ ለውጢ ዝጠልብ ገስጋሳይ ማሕበረሰብ ክፍጠር ባይታ ንምንፃፍን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝተረጋገፀሉ ስሉጥ ሕውየት ክህሉን ብኣያምታ ተመሪፆም ብኣያምታ ዝበሰሉ ትሕዝቶታት የቕርብ።

ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ውግንናን ማሕለኻን ዘይተቐየደን ዶብ ፍልጠት ዘይተሰመረሉን መድረኽ ስነ-ፍልጠት እዩ። ብድሕሪት ኾይኖም ክእዝዝዎ ንዝፍትኑ ኣይምእዘዝን። ርዝነት ትሕዝቶን ፅባቐ ኣቀራርባን መፍለዪኣ እዩ። ሓሳቦምን ድሌቶምን ሰማዒ ዝሰኣኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናብ ማእኸል ንምምፃእ ይተግህ፡፡

ተኣማንነትና ንረብሓታት ህዝቢ ትግራይ እዩ!

መትከላዊነት ሕላገትና እዩ!

Integrity is our brand!

ኣያም ሚድያ

ኣያም ዝብል ቃል ብስሕበት ኣቕልቦ ዝግለፅ ብሌን ልቦና የመልኽት። ዝኾነ ሰብ "ኣያም በል" እንተይሉ ልቢ በል፣ ኣስተውዕል፣ ኣስተብህል፣ ቀልቢ ግበር እዩ ዝብል ዘሎ።
ኣያምታ ፦ትኹረት ፣ኣቓልቦ፣ ርእዮትን ኩለንተናን እዩ።

https://www.ayyammedia.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *