ህወሓትን ‘ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን’!

(ብተኽሊት ገብረመስቀል ባህታ)

“ህወሓት ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣጀንዳ ዘይምግባሩ ንሕና እውን ገሪሙና እዩ”~ሬድዋን ሁሴን(ጋዜጣ ሪፖርተር)

መእተዊ

እዚ ጽሑፍ ስለ ግዝኣታዊ ሓድነት ክልላት ብሓፈሻ፡ ብፉሉይ ድማ ስለ ትግራይ ብዓይኒ ደረቕ ትርጓመ ሕጊን እቲ ሕጊ ዝተቐረፀሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን ክሪኢ ይፍትን፡፡ ኣብቲ ሕጊ ዘለዉ ክትዓት ከም ዘለውዎ ከቕርብ ይፍትን፡፡ እቲ ፖለቲካዊ ሰረት ኸ እንታይ እዩ? ስለ ግዝኣታዊ ሓድነት ይግደስ ዶ ወይ ኣይግደስን? ካብ ምንታይ ተበጊሱ? ዝብሉን ዝመሳሰሉን ክፍትሽ ይፍትን፡፡

ዕላማ እዚ ጹሑፍ

እዚ ጹሑፍ ንምጽሓፍ ዝተበገስኩሉ ምኽንያት ህወሓት ሐዚ እውን መንግስቲነት ትግራይ ይመርሕ ስለዘሎ እዩ፡፡ ብምዃኑ ፍልስፍናን ሓሳብን ህወሓት ምፍላጥ እንኾኖን ዝኾነን ንምርድኡ የቕልል፡፡

ካልኣይ፥ ትግራይ ኣብዚ እዋን የላን እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ከያኒ ሰለሞን ይኩኖ ኣምላክ “ትግራይ ኣላ ኣይትበል የላን ከም ቀደማ” ዝበሎ ኮይኑና ኣሎ እሞ፤ ‘እንታይ ኢና ኮይንና’ ንምርዳእ ንእሽቶ ይሕግዝ ይኸውን ብዝብል እየ ገለ ክሽሕጥር ዝበልኩ፡፡

ሳልሳይ፥ ውድብ .... ንከባቢ 50 ዓማውቲ ጸኒሑ ኣብ ብሄርተኝነትን ቀንዲ መግለጺታቱን ዘለዎ ቅዋም ግና ንፈተውቲን ፀላእቱን ምድንጋሩ ኣይቀረየን፡፡ ካብቶም መግለጺ ብሄራዊነት ሓደ ‘ግዝኣታዊ ሓድነት’ እዩ፡፡ እቲ ምንታይ ሲ ግዝኣታዊ ሓድነት ዓንዲ ብሄራዊ ሓድነት ስለዝኾነ፡፡

ምስ እዚ ተታሓሒዙ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብዓል 24 ገጽ ሰነድ ስለ ግዝኣታዊ ሓድነትና ኣተኲሩ ዝተጽሓፈ “ደወል ብሄራዊ ሓደጋ” ዝብል ሰነድ ኣውጺኦም ነይሮም፡፡ ኣብቲ ሰነድ ዘገረመኒ ፍረ ነገር ነይሩ፡፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ኢልዋ ዝተብሃለት ፍረ ነገር፥ እታ ኣብ ፈለማ ዘቐመጥኩዋ ነጥቢ እያ፡፡ እዙይ ድማ ህወሓት ክንደየናይ ‘ምሽጥር’ ምዃኑ ዘርእየና እዩ፡፡ ስለዝኾነ ንእሽቶ ግልጽልጽ ምባልን ክንደየናይ ኸቢድ ሓይሊ ሓቑፍና  ንኸይድ ከምዘለና ምርዳእ ከድልየና ይኸውን እዩ ብዝብል እየ ተበጊሰ፡፡

ግዝኣታዊ ሓድነት እንታይ ማለት እዩ?

ግዝኣታዊ ሓድነት ማለት ነቲ እንግሊዝኛ “Territorial integrity” ዝብል ዝትክእ እዩ፡፡

እንታይ ማለት ኸ እዩ?፡፡

ግዝኣታዊ ሓድነት ማለት ውሕሰት ሃገራዊ ዶብ ወይ ግዝኣት ብዝብል መንፈስ ምትርጓም ይክኣል፡፡እዙይ ትርጓመ ኣብ ውሽጡ ፉሉይ ኩነታት (Exceptions) ዝተሰከመ እዩ፡፡

ትርጉም ወይ መንፈስ ግዝኣታዊ ሓድነት እዙይ እንተኾይኑ ሓሳብ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ፥ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዝብሃል ኣሎ ዶ? እዚ ሕቶ ምስ ሓደ ማሓዛ እናውጋዕና ዝሓተተኒ እዩ፡፡ ሕመረት ናይዚ ሕቶ ክልላት ናይ ባዕለን መሬት ኣለወን ዶ? እያ፡፡

ነዚ ሕቶ፡ ብዓይኒ ሕጊን ፖለቲካዊ መበቆል እቲ ሕገ መንግስቲን ንምዘኖ፡፡

1.ክትዕ ሕጊ (Law based Arguments)

ኣብዙይ ዓውዲ ክትዕ ሕጊ ነኒ ባዕሎም ከብዲን ሕቖን ዝኾኑ መካትዒ ነጥቢታት ኢና እንረክብ፡፡ እቲ ናይ ሕጊ ክትዕ ናብ ውሽጣዊን ዓለምለኻዊን ክፋላት ከፊልና ምርኣይ ናብ ሙሉእ ርድኢት ክንቀርብ ይሕግዘና፡፡

ሀ.ውሽጣዊ ሕጊ

ክትዕ ሓደ፦

እዚ ደንበ ግዝኣታዊ ሓድነት ክልላት ኣለዎን እዩ ኢሉ ዝሟጎት ኮይኑ፡ ሽኻል ክትዑ ድማ ሓደ ብሓደ ሃሰስ ንበለን፡፡ ንቐጽል…

፩ መእተዊ ሕገ መንግስቲ ፌድሪኢ እተን ብሄርን ብሄረሰባትን ከም ብሓዱሽ ነታ ሃገር መስሪተን ከም ዝቕጽላ እዩ ዝገልጽ፡፡ ምኽንያቱ ድሌተን በዚ ሕገ መንግስቲ እየን ገሊፀን ኢሉ እዩ ዝነቅል፡፡ እዙይ ማለት ድማ እተን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ነናይ ባዕለን መሬትን ግዝኣትን ሒዘን መጺአን ዝብል መልአኽቲ ኣለዎ፡፡

ኣብ ዓንቀጽ 47 48 ተደሪኹ ዝቐርብ ሞጎት እዩ፡፡ ዓንቀጽ 47(2) ፌድሪኢ ከምዚ ይብል፡ “Nations, Nationalities and Peoples within the States enumerated in sub-article 1 of this article have the right to establish, at any time, their own States“፡፡ ኣብ ውሸጢ ክልላት ዘለዉ ብሄራት ኣብ ዝኾነ እዋን ናይ ባዕሎም ክልል ክምስርቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ሓሳብ ምርዳእ ንኽእል፡፡ ንኡስ ዓንቀጽ 3 ድማ፡ “The right of any Nation, Nationality or People to form its own state is exercisable under the following procedures:…” ብምባል ስነ ስርዓቱ ይዝርዝር፡፡ ካብዞም ድንጋገታት እንርዳእ ክልላት እውን ኣብ ውሽጠን ዘለዉ ብሄራት እንትደልዩ ናይ ባዕሎም ግዝኣት ክምስርቱ ከምዝኽእሉ እዩ፡፡

ዓንቀጽ 48 ንኡስ 1 ድማ፡ “All State border disputes shall be settled by agreement of the concerned States.Where the concerned States fail to reach agreement, the House of the Federation shall decide such disputes on the basis of settlement patterns and he wishes of the peoples concerned“:: ናይዚ ድንጋገ ሕመረት ኣብ መንጎ ኣባላት ፌደሬሽን ጎነጽ ዶብ እንትላዓል ፈለማ ብገዛእ ርእሰን ክፈትሓ ከምዘለዎን፡ ንሱ እንተዘይሰሊጡ ድማ ናብ ቤት ምኽሪ ፌድሬሽን ክሳገርን ብህዝበ ውሳነ (Referundum) ዕልባት ከግኒ ክገብርን ይድንግግ፡፡

 እዞም ድንጋገታት ብመትከል ትርጓመ ሕጊ ግልባጥ ርድኢት (Acontrario Reading) ክልላት ዶብ ከምዘለዎን የርኢ፡፡ ግልባጥ ርድኢት ማለት ኣብ ውሸጢ እቲ ግልጺ ድንጋገ ዘሎ Asumption ንምባል እዩ፡፡ ኣብዙይ ንቲ ዘሎ ክትዕ ዝውሰነሉ መንገዲን ዝውስን ኣካል ተገዲሱ ምቕማጡ ነቲ ዶብ ዘለዎ ተገዳስነት የርኢ ዝብሉ እውን ኣለዉ፡፡

. እቲ ሕገ መንግስቲ ዝሓስቦ ቅድሚ 1983 .(.) ዝነበረት ኢትዮጵያ ፈሪሳ፥ ድሕሪኡ ብሄራትን ብሄረሰባትን ከም ብሓዱሽ መሬተንን መሰለንን ሒዘን ነቲ ፌድሬሽን መሲሪተንኦ እየን፡፡ በዙይ መሰረት ከዓ፡ ብሄራት መሬትን ግዝኣትን እቲ መሰል ምስረታ ሃገር (ዓንቀጽ 39) ክጎናፀፋ ኪኢለን ዝብል ክትዕ የቕርቡ፡፡ እዚ መሰል ምቕማጡን ከም ሓደ ኣካል ሕገ መንግስቲ ምድንጋጉ ኣሎ፡፡ ብካሊእ ገጽ ከዓ፡ ድሕሪ ውሳነ ሃገርነት ስለ እቲ ግዝኣት ከመይ ይውሰን ዝብል ዘይምቕማጡ ድማ በቲ ዝወሰነ ህዝቢ ተታሒዙ ዝነበረ ዶብ ምዃኑ እቲ ሕገ መንግስቲ ናብ ክትዕ ኣይቀረበን፡፡ ስለዚ ድማ ከም ፍሉጥ ገይሩ ስለ ዝይሓስቦ እዩ ይብሉ፡፡

.ኣብ ሕገ መንግስቲ ክልላት እተን ክልላት ዘዋስነን ዶብ ተገሊጹ ንረክብ ኢና። (ንኣብነት ናይ ትግራይ ኣዋጅ 1/1987 ዓንቀጽ 2 ብኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዘዋስኖ ገሊጹ ንረኽቦ፥ ብምዕራብ ሱዳን የዋስኖ ይብል)፡፡

ክትዕ ክልተ፦ግዝኣታዊ ሓድነት ክልላት የብለንን ዝብል ክትዕ ኮይኑ መካትዒ ነጥቢታት ድማ ኣለውዎም፡፡

.ብመትከል ትርጓመ ሕጊ (Maxims of Interpretation) ካሊእ መንገዲ ኣሎ፡፡ብኣንፃር ሓሳብ መውጽኢ ሕጊ ዝብሃል፡፡ በዚ መትከል፡ ሕድ ሕድ ሕጋገ ሕገ መንግስቲ ዝትርጎም ብኣንፃር እቲ መእተዊ ዝተቀመጠ ዕላማ እዩ፡፡ ስለዚ ብዝፈላሊን ዶብ ብዝጥርርን መልክዑ እንተይኮነ፡ እቲ ዶብ ኣለክን ዝብል ምትእምማን ክማዕብላን ነቲ ዘይተውሃበኦ ካሊእ ተሳጋሪ መንነት ክብህጋ እዩ ፡፡

ሕመረተ ሓሳብ ግዝኣታዊ ሓድነት ሕቶ በቢዝተልዓሎ ቁጽሪ ዝቀያየር እንተይኮነስ፡ ንሕድሕድ Square inch ክፍሊት መስዋእቲ ዝሓትት እዩ፡፡ ኣብ ጉዳይ ክልላዊ ዶብ እንትንመጽእ ግና ዓንቀጽ 48 ኣብ ውሽጢ ክልላት ዘለዉ ብሄረሰባት እንተይቀረዩ ሕቶ ኣብ ዘቕርብሉ ግዝኣት ክልላት ክቀያየር ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ሕመረት ሓሳብ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣየማልእን ዝብል ክትዕ የቕርቡ፡፡

3. ዓንቀጽ 40(3) ከምዚ ይብል፡፡ “The right to ownership of rural and urban land, as well as of all natural resources, is exclusively vested in the State and in the peoples of Ethiopia. Land is a common property of the Nations, Nationalities and Peoples of Ethiopia and shall not be subject to sale or to other means of exchange.”

መንፈስ ናይዚ ድንጋገ ሕድ ሕድ መሬት ኢትዮጵያ ናይ ሕድ ሕድ ብሄራት እዩ ዝብል ትርጉም ምሃብ ይክኣል እዩ፡፡

ብዓይኒ ሕጊ፡ እዞም ክትዓት ከምዙይ እንተይልና፥ ምእንቲ ሙሉእ ርድኢት ክህልወና፥ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ሰረቱ ድማ ንርኣዮ፡፡

. ኣብ ውሽጢ ክልላት ዘለዋ ብሄር፣ ብሄረሰባት ወይ ህዝቢታት ኣብ ዝመረጽዎ ናይ ባዕሎም ክልል ዝምስረቱ እንድሕር ኮይኖም እቲ ሐዚ ዘሎ ክልል ግዝኣታዊ ሓድነት አለዎ ክብሃል ኣይካኣልን ዝብል ክትዕ የቕርቡ፡፡

ምኽንያቱ እቲ ክልል ናይ ሓደ ኣካል ኣይኮነን ብምባል እዩ፡፡

ካብቲ ናይ ሕጊ ጉዳይ በቢዝኣመንናሉን ዝመሰለናን ናብ ሓዲኡ ክነብል ንኸውን፡፡ እንተኾነ፡ ‘ጹጹይ’ ንጽረት ንኽህልወና እንተሓገዘ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሰረት ናይቲ ሕገ መንግስቲ ምርዳእ ከድልየና እዩ፡፡ 

ለ. ዓለምለኸዊ ሕጊ

Patricia Carley ” Self Determination: Soverignity, Territorial integrity and the right to secession” ኣብ ዝብል ሓጺር ጹሑፋ ኣብ ሕጊ ዓለም ለኸ ክልተ ዝጓነጹ መትከላት ኣለዉ፡፡ መትከል ግዝኣታዊ ሓድነትን መትከል ዓርሰ ውሳነን እዮም ዝብል መንፈስ ዘለዎ መልእኽቲ ተሕልፍ፡፡ ኣብዙይ ገለ ሙሁራት ዓርሰ ውሳነ መትከል እንተይኮነስ ፍሉይ ኩነታት (Exception) እዩ ዝብሉ ኣይሳኣኑን፡፡ በቲ በለ በዙይ ግና መሰል ዓርሰ ወሳነ (ፌድሬሽን፣ ኮነ ሃገር) ዉሑድ ህዝቢ  ነቲ ጠቕላላ መትከል ግዝኣታዊ ሓድነት ዶብ ሃገራት ኣብ ውሻጥኡ ናይ ገዛእ ርእሱ ግዝኣት ከምዘለዎ ኣፍልጦ ዝህብ መንፈስ ንርእየሉ፡፡  David Reic’ “The Law of self determination….” ኣብ ዝብል መጽሓፉ ሓደ ዓርሰ ውሳነ ዝገብር ህዝቢ ከማልኦም ካብ ዘለዎ ነገራት ግዝኣት ከም ሓደ ረቋሒ የቕምጦ፡፡

ስለዚ ካብዙይ ምርዳእ እንኽእሎ ሓደ መሰረታዊ ነገር እኒኦ፡፡

ዓርሰ ውሳነ ዝገብር ህዝቢ ወይ ብሄር  ምናልባሽ እቲ መጠን ግዝኣት ክዓቢ ክንእስ ይኽእል ይኸውን እምበር ናይ ባዕሉ ግዝኣት ዘለዎ ምዃኑ እዩ፡፡ ብስሩ  እውን ብሕጊ ዓለምለኸ ናይ ርእሱ ሃገር ክምስርት ዝተፈቐደሉ ዓዲ ግዝኣት ኣለዎ ካብ ዝብል ዕሙቕ ርድኢት እዩ፡፡

ብርግጽ ኣብ መድረኽ ዓለምለኸ ዓርሰ ውሳነ ዝትርጎመሉ መንገዲ እውን ብምዕራባዊን ምብራቓዊ ዓለምን ዝተፈላለየ ርድኢት እዩ ዘለዎም። ( “ሕቶ-ትግራይ” ፥ ብቐረባ እትመጽእ መጽሓፍ ክተብርሆ እያ)፡፡

ብተኽሊት ገብረመስቀል ዝተጽሓፈት ሕቶ ትግራይ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ክትዝርጋሕ እያ::
ብተኽሊት ገብረመስቀል ዝተጽሓፈት ሕቶ ትግራይ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዕዳጋ ክትዝርጋሕ እያ::

2. ፖለቲካዊ ሰረት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ?

ፖለቲካዊ ሰረት ሕገ መንግስቲ ፌድሪኢ ክንርዳእ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሕገ መንግስታት ሰረቶም ምርኣይ የግድስና፡፡

እቲ ሕቶ፥ ፖለቲካዊ ሓሳብ ሕገ መንግስቲ ብቀንዱ ናየንኡ ፖለቲካዊ ውዳበ እዩ?

ብልሙድ ፖለቲካ ኢትዮጵያ (ካብ ታሪኽ ዝተራኣየ) ኣብ ሕገ መንግስቲ እናታሓገገ ዝመጸ ሓሳብ ናይቲ ዝሰዓረ ዉዳበ ወይ ሓይሊ እዩ ኾይኑ መጺኡ፡፡ ነዙይ ከም መረዳእታ ዝረብሐና፥ ሕገ መንግስቲ ካብ ዝጀመርናሉ 1923 ዓ.ም(1931G.C)፣ 1947 ዓ.ም(1955 G.C) ነቲ ንጉሳዊ ስርወ ንግስነት ከጽንዕ እዩ መጺኡ፡፡ ሕገ መንግስቲ 1931(G.C) እንት ንርእዮ ኣብ ምዕራፍ 1 ዓንቀጽ 3 ክሳብ 5፣ ብ1947 ዓ.ም ዝተማሓየሸ ድማ ካብ ዓንቀጽ 1 ክሳብ 6  ዘሎ ነዙይ ውርርስ እዩ ዘማዓራርይ፡፡

ስለዙይ፥ እቲ ከይዲ ውርርስ ስልጣን፥ ብሕገ መንግስቲ ተሓጊዙ ክቕጽል ነይሩ ዝተደንገገ፡፡ እቲ ምንታይ ሲ ምስ ዓለም ክማዓራረ ነይሩዎ፡፡ እዙይ እንትብሃል ግና ቀንዲ ቀለሙ ከይለቐቐ እዩ ኾይኑ፡፡

ብመንግስቲ ኢህዴሪ(ደርጊ) እንተሪኢና እውን ሶሻሊስት ዓዲ ክገብር ኢዩ ዓሊሙ ተንቀሳቒሱ፡፡

ህወሓት/ኢህወዴግ ?

ማርክሳዊነት ኣብ ህንጸት ሃገረ መንግስቲ ወ ብሄረ መንግስቲ ብኣንፃር ሓባራዊ መደባዊ ቃልሲ እዩ ዝቃነይ፡፡

ብኻሊእ ኣባሃላ፥ ናይ ኢኮኖሚ መንነት እዩ ኽሃንጽ ዝደሊ፡፡

ህወሓት ማርክሳዊ ሓይሊ ኾይኑ ክሳብ ምውዳቕ ደንበ ኮሚኒዝም ጸኒሑ፡፡

ነዚ መረዳእታ ዝኸውን፥ ብቐሊሉ ምስረታ ማለሊት ኣለና፡፡

ኮይኑ ግና ኣብ ኣጋ ዓወት ህወሓት ደንበ ኮሚኒዝም ወዲቑ፡ ስለዚ ህወሓት ክለሳለስ ነይሩዎ፡፡ እዚ ምልስላስ ጥራይ እንተይኮነ ጉዳይ ዲፕሎማሲን ቅቡልነትን ኮይኑ መጽአ፡፡ ነዙይ ድማ ብሕገ መንግስቲ ምድንጋግ ኣገዳሲ ነይሩ፡፡ ካብዚ ኽውነት ተበጊስና ድማ ናብ ቦቕሊ ሕገ መንግስቲ ንመርሽ፡፡

መቦቆል ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ!

ነዚ ድማ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ስነ ሓሳብ ምዕራብን ምብራቕን ኣዳቒሉ መጽአ፡፡ ናይ ምዕራብ፥ ንመሰል ውልቀ ዝምልከት ብቀንዱ ካብቲ ውልቀ ሰብ መትከሉ ዝገበረ ዓንዲ ሊበራሊዝም ኣምጽአ፡፡ ካብ ዓንቀጽ 14 ክሳብ 38 ናይቲ ሕገ መንግስቲ እንተሪኢና መበቆላዊ ሰረቶም ካብቲ ምዕራባዊ ዓለም እዩ፡፡

እቲ ናይ ምብራቕ ዓለም እንተሪኢና ድማ፥ እዚ ደንበ ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ብደባል ዝኣተወ ኮይኑ፤ ብቀንዱ ድማ ኣብ ህንጸት ሃገረ-ብሄር፣ ጉዳያት ብሄርን ብሄረሰብን፣ ሃገራዊ ህንጸትን ኢሉ እውን ሕጋገ መሬት ናብዙይ ልተጸግዐ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ 

ካሊእ ነዚ ብቐሊል ዘርእየና፥ ኣብቲ ታሪኽ፣ መንነትን ባህጊን ዝግለፀሉ መእተዊ (Preamble) ሕገ መንግስቲ እውን ነዞም ዓንዲታት ኣጣሚሩ ከም ዝኸይድ እዩ ዘርድአና፡፡ ኣብቲ መእተዊ ንጉጅላዊን ውልቃዊን መሰል ከምዝተግህ ኣቐሚጡ፥ ናይዚ ኹሉ ዕላማ ድማ “ሓደ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበረሰብ” ንምህናጽ ከምዝኾነ የቐምጥ፡፡ እቲ ውልቃዊ መሰል ግዱሳት ኮይነን ዝደንገገኦን ዘኽብርኦን እውን እተን መሰረትቲ እታ ሃገር እየን፡፡ ብግልጺ እየን ከምኡ ዝብላ፡፡ መስረትቲ እታ ሃገር ከዓ፥ ባዕለን ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ምዃነን ኣብቲ መእተዊ ይሕብራ፡፡

እንትጥመር፥ ቀንዲ ዕላማ ድንጋገታት ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ በዚ ባህጊን ዕላማን ህንጸት “ሓደ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ማሕበረሰብ” ናይ ምህናጽ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ እዙይ ማለት ድማ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ትርጉምን ክትዕን ዝኾነ ድንጋገ እንትላዓል ነቲ ‘ዓብዪ’ ምስሊ ብዝምግብ መልክዑ ክትርጎም ኣለዎ ማለት ይኸውን፡፡ ስለዚ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡ ክትዓት ሕጊ መዕለቢኦም እቲ ‘ዓብዪ’ ባህጊ ስለዝኾነ ብገዛእ ርእሶም ቆይሞም ጠጠው ዝብሉ ኣይመስሉን፡፡ ብካሊእ ኣባሃላ፥ ብቀንዱ ብህወሓት (ብጭቡጥ ፖለቲካ መነጽር) ዝተጣየሸ ሕገመንግስቲ ንስለ ግዝኣታዊ ሓርነት ብሄራት ኢሉ ዝደንገጎ ዓንቀጽ ይኹን ክፋል ዓንቀጽ የለን ማለት እዩ፡፡

ህንፀት ሓደ ናይ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ማሕበረሰብ ማለት እንታይ ማለት እዩ? መበገሲኡ ኸ?

ህወሓት ኣበጋግስኡን ስነልቦንኡን ካብ ማርክሳዊነት ስለዝብገስ፥ እቶም ማሕበራዊ መንነታት ከም ቅውም-ነገር ኣይቆጽሮምን ( መጎስጎሲ ካብ ምዃን ሓሊፎም) ጥራሕ ዘይኮነ፥ ናይቶም ፀላእቲ ፍልስፍንኡ ዝኾኑ ሊበራላውያን መሳርሒ ድንዛዘ ማሕበረሰብ ኢሉ እዩ ዝረቑሖም፡፡ ብምዃኑ ብዓይኑ፡ እዞም ቅርተ ስነ-ሓሳባውነት (Idealism) ክማሓዉ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ነዚ እንትቃለስ ግና ከም መሳርሒ ተጢቒሙ ኢኮኖሚ ክሃንጸሉ ዲሕ ይብል፡፡ ብኢኮኖሚ ዝተታሓሓዘ ማሕበረሰብ ምስሃነጸ እቶም ቅርተ ሓሳባዊነት ክጠፍኡ እዮም ዝብል ስልሒት ኣለዎ፡፡ ብካሊእ ኣባሃላ፥ እቶም ነገዳዊ ወ ብሄራዊ መንነታት ከም ቅሪተ ድሕረት ገይሩ ብምቑጻር፡ እቲ ቅውምነገር ዘለዎ መንነት ናይ ርእሰማል መንነት ገይሩ ይቖጽር፡፡

በዚ መነፀር መንነት ተጋሩ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ወ “ኢትዮጵያዊነት” ንህወሓት እንታዩ እዮም?

ኹሎም ድሑራት መንነታት ስለዝኾኑ ክጠፍኡ ኣለዎም ኢሉ ይብገስ፡፡ ስለዚ ኹሎም ፀላእቱ ወ ዕንቅፋት ‘ዓብዪ’ ምስሉ እዮም፡፡

መን ከ ዝበለጸ ሓደጋ?

ንማርክሳውያን እቲ ቀንዲ ፀላኢኦም እቲ ላዕለዋይ መደብ እዩ። (ሰብ ዋና ኢንዱስትሪ) ኣብ ኢንዱስትሪ ዝውሕደን ወይ ድማ ዘይብለን ድማ ፊውዳላዊ መደብ እዩ፡፡ እቲ ፍልስፍና ኣበጋግስኡ ካብ ሩስያ እዩ ነይሩ፡፡ ሃገራዊ ህንጸት ሩስያ ድማ ፊውዳላዊነት ዘጥቀዖ እዩ ነይሩ፡፡

ቀንዲ ሓደጋ ባህጎም ድማ እታ ፊውዳላዊት ሩስያ ነይራ፡፡ ነዚኣ ክበታትኽዋ ነይሩዎም፡፡ ንገለ ድማ ናጽነት ክህቡ ነይሩዎም (ንፖላንድ)፡፡ ከይዳ ከይዳ ድማ እታ ግዝኣተ-ብሄር (ናይ ሩስኪ) ሮማዕ በለት፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኸ?

ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ማእኸል ፊውዳላዊነት ኣምሓራ ወ ትግራይ-ትግርኚ ነይረን፡፡ ኣምሓራዊነት ብዘይካ ኣብ ትግራይ-ትግርኚ ዳርጋ ናብ ምስፋሕ ኢሉ ነይሩ፡፡

ስለዚ “ኢትዮጵያዊነት” ኣምሓራዊነት፣ ትግራዋይነት ብምስሉ ክሃንጸሉ ዝኽእለሉ ዕድል ክዕገት ነይሩዎ፡፡

ንቲ ዝዓበየ ሓደጋ ኣምሓራዊነት ብሰሜንን ብደቡብን ክቕርቀር፥ ናቱ ኢትዮጵያዊነት ክበታተን፥ ኢሉ እውን መማረፂ ሲኢኑ ናብቲ ሓባራዊ ህንጸት ሃገራዊ “መንነት ርእሰማል” ክኣትው ነይሩዎ፡፡ ትግራዋይ ብሰሜንን ደቡብን ክቕርቀር መማረጺ ሲኢኑ ናብቲ ዕላማ ክፈስስ፡፡ ኦሮሞ ብደቡብ (ተዛረብቲ ኣማርኛ ግን ደቡብ ህዝቦች ኢሉ ዘጣየሶም፣ ብኣንፃር ሓደጋነቱ ተራእዩ ዝቐለለ እዩ) ብሰሜን ኣምሓራ ክቕርቅሮ እሞ ናብቲ ሓባራዊ ዕላማ ህንጸት ርእሰማላዊ መንነት ክኣትው  ነይሩዎ፡፡

ናብዚ ዕላማ፥ ካሊእ ኣዝዩ ዘይፍለ ረሒ ግና ህንጸት ቅልጡፉ ርእሰማል ይኸውን፡፡

ስለዚ፥ ብሄራዊ ግዝኣታት ዝተፈጠራ ንስለ ዕላማ ሓለዋን ዘላቅነት መንነታት ብሄራት ኣይኮነን፡፡

ውጽኢቱ እንታይ መሰለ? እቲ ባህጊ ህወሓት ክሳኻዕ ኣይካኣለን፡፡ እኳ ድኣስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ዓርሓታት ተፈጢሮም፡፡ ቀንዲን (ኣምሓራ) ብርቱዕ ተናሓናሒ (ኦሮሞ) ክንብሎም ንኽእል፡፡ “ትግራይ ሃገር” ዝብል ሓይሊ ተፈጢሩ፡፡እዞም ሓይሊታት፤ ብሓሳብ ፊት ንፊት ፀላእቲ ዕላማ ህወሓት እዮም፡፡

ክልቲኦም ሓይሊታት ተጣሚሮም ኣንፃር ስትራቴጂካዊ ሓባር ፀላኢኦም (ህወሓት) ገጢሞም፡፡

ብስምምዕ ፕሪቶርያ ህወሓት (ንቲ ሃገረ ትግራይ ዝብል ወለዶ ተማላሊኡ) ድማ ኢድ ሂቡ፡፡ 

ሓሳቡ ብሓደ ይኹን ብካሊእ ኣካል ተሳዒሩ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

እቲ ህወሓት ቅሪተ ድሕረት ዝብሎ ብሄራዊ ህንጸት ዓይኑ ኣፍጢጡ መጺኡ፡፡ ዝገደደ ክዓ ብስምምዕ ተቐቢሉ፡፡

ስለዚ፦ምዕራብ ወ ደቡብ ትግራይ ብዓይኒ ‘ዓብዪ ምስሊ’ ህወሓት እንታይ እዩ ?!Just Nothing! ምንም!

ሐዚ፡ ናብ ፈላማ፥ ናብ ዘረባ ሬድዋን ምልስ ኢልና ነስተማስል፡፡

ስለዚ፡ ህወሓት ብዕላማ ፖለቲካዊ ቃልሱ እንትርአ ንግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክቃለስ ምጽባይ ከምቲ ወለዲ “ካብ ዝብኢስ ዓጽሚ” ዝብልዎ እዩ ዝኸውን፡፡

እዚ ድምዳመ ሓቃውነቱ ዝውስኽ ድማ፥ ማርክሳዊ እምነት ህወሓት ዝዓብለሎ ውሳነታት ዝውስንን ዝገብርን ናብ ዓለም መድረኽ እንትኸይድ፡፡ኣብዚ ማርክሲስት ኢትዮጵያዊነት ስልቲ ድዩ ዕላማ ኢልካ እንተሓተትካ እውን ዘውቅስ ኣይኮነን፡፡ ምናልባሽ ግና፡ ህወሓት ፖለቲካዊ ዳይናሚክሱ እናቐያየረ ስለዝኸደ በቲ ዝተቐየሮ ልክዕ ምርኣይ እውን ኣዝዩ የግድስ፡፡

ግዝኣታዊ ሓድነት ከም ስልቲ?

ህወሓት ብሄራዊነት ከም ስልተ ስልጣን ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ኣብቲ ውዳበ መሰረትቲን ብልሒ መሪሒነትን ዝነበሩ ሰባት (እኒ ኣረጋዊ ፡2008 G.C) ወ ገብሩ(2007 ዓ.ም)፣ ኣብቲ ውዳበ መጽናዕቲ ዝገበሩ ሰባት (እኒ Jhon Young) ኣብ መጽሓፍቶም ይገልጹ፡፡ ኣብዚ ነጥቢ ኣዝያ እተሕምመኒ ዘረባ ኣይተ ስብሓት ነጋ ኣላ፡፡ ኣለምሰገድ ኣባይ Identity Jilted (1998) ዝተዛረባ፡፡ ህወሓት ነገራት ብምስራዕ (prioritize ብምግባር) ዝኣምን ዉዳበ እዩ፡፡ሓረስቶት ይኹኑ ተጋደልቲ  ምስ ኣምሓራ ምንባር ንኽእል ዲና እንትብሉና ምናልባሽ ንብሎም ነይርና፡፡ “ጸቢብ ብሄራዊነት” ንምውቃዕ 10 ዓመት ክንዕገስ ነይሩና ክብል ዝተዛረባ እያ፡፡

እዙይ እቲ ውዱብ ብሄራዊነት ንስለ ሕኹራ ስልጣን ኣራት ኪሎ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ብግልፂ የርእየና፡፡

ስልጣን ቀንዲ መሳርሒ እቲ ዓብዪ ምስሊ እዩ፡፡  ስለዚ ግዝኣታዊ ሓድነት ከም መሳርሒ ስልጣን ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ምህላዉ ኣይቀርይን፡፡ ግና ኸ ናብ ሕቶን ሞጎትን ዝተሳጥሐ ድኣም፡፡ ስልጣን እንታይ ክገብረሉ? ስለ ምንታይ ዕላማ? ብስሩ ነቲ ቀንዲ ስትራቴጂካዊ ፀላኢ ህወሓት ዝኾነ ብሄራዊነት ዶ ኣይኮነን ፕሮሞት ዝገብር ዘሎ? እቲ ብምስሊ መንነትካ ምህናጽ ካብ ኦሮሞ እንተኾይኑ፥ ንኣምሓራ ብትግራይ ምዕጋት እንታይ ክዓብሰሉ?

ህወሓት ኣብ ከይዱ ከምቲ Milovan Djilas ዝብሎ ኮሚኒስታውያን ዘጋጥሞም ድስካለ ኣጋጢምዎ እዩ እሞ፥ ስልጣን ጥራሕ እዩ ዝብህግ ዝብል ሓሳብ እውን ክህሉ ንቡር እዩ፡፡

ግና ኸ ሲ፥ ህወሓት ፍልፍል ስልጣኑ ክልል ካብ ብሄራዊነት ዶ ካብ ትካቦ እቲ ሓይሊ ኢትዮጵያ?  

ህወሓት እንታይ ኢሉ ዝኣምን ይመስለኩም? ምስ ካሊእ ብሄራዊ ተወዳዲሩ ኸ ይወጽእ ዶ?

ህወሓት ብሄራዊነት ተጋሩ ንስለ ስልጣን እንትመዝዝ ከ በቲ ተዃቢ ስልጣን ከም ሓደጋ ተቖጺሩ፡ ዝገደደ ሓደጋ ዶ ኣይጽውዕን? ዝብሉን ዝኣመሰሉን ፈተንቲ ሕቶታት ይቐርብዎ እዮም፡፡

እንትድምደም፥ ህወሓት ካብቲ ዕላምኡን ፍልስፍንኡን ተበጊስና ስትራቴጂካሊ ንስለ ግዝኣታዊ ሓድነት ክጣበቕ ዝኽእል ሓይሊ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ንኽእል፡፡ ብስልታዊ ረብሓ ኣስሊሑ ንስለ ግዝኣታዊ ሓድነት ክቃለስ ዝኽእለሉ ዕድል ዋላ እውን ዕጽው እንተዘይኮነ ፡ ኣንፃር ግዝኣታዊ ሓድነትና Backfire ዝገብረሉ ዕድል ይሰፍሕ፡፡

እሞ መዋጽኦ ኸ? ንዝብል ብኻሊእ ሓጺር ጹሑፍ ክምለስ፡፡

የቐንየለይ፡፡

ኣያም ሚድያ

ኣያም ዝብል ቃል ብስሕበት ኣቕልቦ ዝግለፅ ብሌን ልቦና የመልኽት። ዝኾነ ሰብ "ኣያም በል" እንተይሉ ልቢ በል፣ ኣስተውዕል፣ ኣስተብህል፣ ቀልቢ ግበር እዩ ዝብል ዘሎ።
ኣያምታ ፦ትኹረት ፣ኣቓልቦ፣ ርእዮትን ኩለንተናን እዩ።

https://www.ayyammedia.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *