ህወሓት፡ ጉልሓይ ብሄራውነት !

(ብክንፈ ሓዱሽ)

መእተዊ

1950ታት ተወሊዑ 1960ታት ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝበፅሐ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ፡ ናይ ትግራይ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ፖለቲካዊ ኩነታት ብመሰረቱ ዝለወጠ ነይሩ። እዚ ናይ ተምሃሮ ምንቅስቓስ እንትብገስ መጠናዊ ናይ ለውጢ ሕቶታት ሒዙ ዝተልዓለ ኮይኑ ብኸይዲ ስነሓሳባዊ ውግንና ጨቢጡ ሙሉእ ስርዓታዊ ለውጢ ናብ ምጥላብ ተሰጋጊሩ።  ፀጋማዊ ስነሓሳብ እናዓብለሎ ዝመፀ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተናትና ፀገማት እታ ኢምፓየር ፍልልያት ብምንባሮም እቲ ምንቅስቓስ ናብ ክልተ ወገን ከምዝተገምዐ ባህሩ ዘውዴ (2014) “The quest for socialist utopia” ኣብ ዝብል መፅሓፉ ኣስፊርዎ ንረኽቦ። በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ናብ ብሄራዊ ጭቆና ስለዘይዓበየ ከባቢያዊ ምምሕዳር (regional autonomy) ብምርግጋፅ ከምዝፍታሕ ዝምጉት እንትኸውን፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይታ ሃገር ፀገም ኣውራ መግለፂኡ ብሄራዊ ጭቆና  ስለዝኾነ መፍትሒኡ ድማ መሰል ርእሰ ውሳነ (self-determination) ብሄራትን ብሄራሰባትን ምርግጋፅ ምዃኑ ዝኣምን ወገን ድማ ነይሩ።[1] እዚ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፍልልይ ኢህኣፓን መኢሶን ዝብሃሉ ተናሓናሕቲ ውድባት ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ብኸይዲ ካልኦት ውድባት ተሓዊሶምዎ እዮም።

ብኻልእ መዳይ ድማ ሙሉጌታ ገ/ህይወት(2019) ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ከምዝወለደ ይገልፅ። ብቐዳምነት ህንፀት ብሄረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሰጉሙ ውድባት ኮይኖም፡ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘጋጠሙ ንቡራት ስሕተታት ብምእራም ኢትዮጵያ በቲ ዝነበረቶ ክትቕፅል ዝደልዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢድዩን ኢህዴንን ዘለውሉ እንትኸውን፣ እቲ ካልኣዋይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሄር ጭቆና ኣሎ ኢሎም ዝኣምኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘለውሉ እንትኸውን ኣብዚ መዳይ ዝስርዑ ድማ ህወሓትን ኢህኣፓን፣ ውድባት ኤርትራ (ህግሓኤን ጀብሃን) ግንባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ድማ ናይቲ ዝቃለስሉ ብሄር/ዓዲ ሕቶ ናይ ባዕዳዊ መግዝእቲ ምዃኑ ዝኣምኑን ንናፅነት ዝቃለሱ ውድባት እዮም፡፡[2]

ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ምብርባር ዝጀመረ ብሄራዊ ንቕሓት ተጋሩ ኣብ መወዳእታ 1920ታትን መጀመሪያ 30ታት ብሃይለስላሴ ጉጉሳ እናተመርሐ፡ ናይ ብሄራዊ ቃልሲ ዝበረኸ ዛዕባ፡ ሕቶ ሃገርነት ኣልዒሉ እዩ።[3] እዚ ብሄራዊ ምልዕዓል ቀፂሉ ኣብ 40ታት ሊበራል ፕሮግረሲቭ ዝበሃል ፓርቲ ተመስሪቱ ናይ ትግራይ ትግርኚ ሃገር ንምቛም ተቓሊሱ እዩ። ድሕሪ’ዚ ብሄራዊ ሕቶ ተጋሩ ደጊሙ ብዝተወደበ መልክዑ ምንቅስቓስ ዝጀመረ 1960ታት ነይሩ። 


 

 

 

ህወሓትን ብሄራዊ ቃልሲ ትግራይን

ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ካብ መፋርቕ 1960ታት ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት እናኣተው ምቅላስ ዝጀመርሉ እዋን ነይሩ። ብልሙድ ኢትዮጵያኒስት ኣብ ዝበሃሉ ውዳበታት (ኢህኣፓን መኤሶንን)፣ ብሽም ትግራይ ኣብ ዝተጣየሹ ውዳበታት ኢሉ እውን ምስ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ተሰሊፎም ዝቃለሱ ተጋሩ እውን ነይሮም እዮም።  ብፍሉይ ብሽም ትግራይ ዝቃልሱ ውዳበታት ዝተፈጠሩ ኣብ መጀመሪያ 60ታት ኮይኑ ማሕበር ፖለቲካ ተጋሩን ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይን ድማ ይበሃሉ። እዞም ብተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጠሩ ውዳበታት ስዒቦም ናብ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግገሓት)ን ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ (ተሓህት)ን ዝተለወጡ ውዳበታት እዮም።[1] ግገሓት ብሄራውያን ተቓለስቲ ዮሃንስ ተክለሃይማኖት፣ ኣማረ ተስፉ፣ ግደይ ገብረዋህድ ኣቢሉ 1964 ዝተመስረተ ኮይኑ ፀኒሖም ድማ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ርኡይ ተራ ዝነበሮም ተኸስተ ውብነህን ሙሴ ኪዳነን ተሓዊሶምዎ እዮም። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ማለት እውን ለካቲት 1967 ተሓሕት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ።[2] እዞም ክልተ ውድባት ኣዝዩ ዝተራሓሓቐ መቃልሲ ኣጀንዳ ሒዞም ንቓልሲ ዝነቐሉ ሓይልታት እዮም። ምስዚ ተዛሚዱ ገብሩ ታረቀ (2009)፡ ኣብ 1960ታት ፖለቲካዊ ሕቶ ተጋሩ ናብ ክልተ ከምዝተኸፈለን፡ ንሳቶም ድማ ግገሓት ዘሰጉሞ ሕቶ ናፅነትን፤ ፀገም ትግራይ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣይፍለን ስለዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብመሰል ርእሰ ውሳነ ድማ ይፍታሕ ዝብል ፖለቲካዊ እምነት ብዝነበሮም ተጋሩ ዝተመስረተ ኢህኣፓ ምንባሮም ይገልፅ። ህወሓት ኣብዞም ክልተ ኣተሓሳባታት ሸውላሎ ይብል ምንባሩን ፀኒሑ ግና [ምናልባት ድሕሪ ምጥፋእ ግገሓት] ናይ ትግራይ ሕቶ ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይፍታሕ ዝብል መርገፂ ብምሓዝ ናብቲ ካልአዋይ ኢህኣፓዊ ፖለቲካዊ እምነት ተሓዊሱ እዩ።

መሪሕነት ህወሓት ካብ ፈለምኡ ኣውራ መቃለሲ ኣጀንድኡ ብሄራዊ ሕቶ ትግራይ ኣይነበረን። ብሄራዊ ውዳበ ዝመረፀሉ ኣውራ ምኽንያት እውን ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ‘ሃገራዊ‘ ‘ኣወዳድባ ተመራፂ ብዘይምንባሩን ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሞት ዮሃንስ ዝተፈጠረን እናዓበየ ዝመፀን ብሄራዊ ስሚዒት ንምምዝምዝ ዓሊሙ ዝወሰዶ ሕርያ ምንባሩ ኣየማትእን። ኣብ ናይቲ ውድብ ሰነድ እውን ነዚ ዘራጉድ ሓሳብ ንረክብ። ህወሓት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰፈነ ናይ መደብ ጭቆና ንምውጋድ ብሄራዊ ቃልሲ ከም ስልቲ እዩ ዝጥቀመሉ ይብል።[3] ኣብ ህወሓት ጠሚቱ ብዙሓት ፅሑፋት ዝፀሓፈን እቲ ውድብ ብዝግባእ ካብ ዝፈልጡ ሓደ ዝኾነ ጆን ያንግ(1997) እውን ከምዚ ይብል፦

Ultimately the difference between the EPRP and the TPLF was not a strategic question since the TPLF affirmed that the class contradiction superseded all other contradictions. Rather it was a question of whether the national issue was primary for purposes of mobilization, as affirmed by the TPLF, or class, as held by the EPRP. John Young (2021) Bolshevism and National Federalism in Ethiopia.

ሓርፋፍ ትርጉም

ህወሓት፡ መዳባዊ ጎንፂ ካብ ኩሎም ካልኦት ጎንፅታት ዝቕድም [ብሄራዊ ጎንፂ ሓዊሱ] ምዃኑ ስለዝኣምን ምስ ኢህኣፓን ዝነበሮ ኣፈላላይ ስትራቴጂካዊ ሕቶ ኣይኮነን። እቲ ኣፈላላይ ብመንፅር ውዳበ[ስልቲ] ብሄራዊ ሕቶ ክቕድም ኣለዎ ዝብል ብወገን ህወሓት፣ ኢህኣፓ ድማ መደብ ክቕድም ኣለዎ ዝብል ቕዋም ስለዝነበሮም እዩ።

ያንግን ገብሩ ታረቀን ከምዘቐመጥዎ ህወሓት ሒዝዎ ዝተልዓለ ናይ ቃልሲ ዕላማ ምስ ኢህኣፓ ኣፈላላይ ኣይነበሮን። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ውድባት ዝነበረ ፍልልይ ካብ ናይ ቃልሲ ስልቲ ዝዘለለ ኣይነበረን። ኢህኣፓ ዝሐሸን ዘዋፅእን ናይ ቃልሲ ኣገባብን ስልትን ብብርኪ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕተኛ መደብ ወዲብካ ምቅላስ ዝብል እንትኸውን፤ ህወሓት ብወገኑ መደባዊ ጎንፂ ብምፍታሕ ኣቢሉ ዝረጋገፅ መሰል ርእሰ ውሳነ ኩሎም ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ኢትዮጵያ ንምኽባር ኣብ ዝግበር ቃልሲ እቲ ተመራፃይ ናይ ቃልሲ ስልቲ ብሄራዊ ወይ ድማ ብሄረ ሰባዊ ውዳበ ብምፍጣር ኣቢልካ ይኸውን ዝብል እዩ።

ብኻልእ መልክዑ ህወሓት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ወሽጢ እቲ ውድብ ዝነበሩ ብሄራዊ ምንቅስቓሳት እናጨፍለቐ ዝመፀ ውድብ እዩ። ግገሓት (ግምባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ) ግዳይ ናይ ህወሓት ፀረ ብሄራዊ ምንቅስቓስ እዩ።  ግገሓት ንክልቲኡ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ (ትግራይን ከበሳ ኤርትራን) ዝሓቖፈ ሃገረ ዓባይ ትግራይ (ትግራይ ትግርኚ) ንምግሃድ ዓሊሙ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጀመረ ውድብ እዩ፡፡ መረብ ሰገር ዘለው ትግርኛ ተዛረብቲ ዘይሓውስ ናይ ትግራይ ብሄረተኝነትን ሃገርነትን ትርጉም የብሉን ዝብል ቅዋም ዝነበሮ ኮይኑ እዚ ድማ ታሪኻውን ስነ ሓሳባውን ተቐባልነት ዘለዎ ቅዋም ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።[1] ብተወሳኺ ፀሓፊ ታሪኽ ህወሓት ያንግ ድማ፡ ትግራይ ልክዕ ከም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስለዘላ ናፅነት ይግባኣ ኢሉ ዝቃለስ ውድብ ምንባሩ ይገልፅ።[2] ግገሓት፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሽዋ [ኢትዮጵያ] ዘላ ብሄር ምዃና፣ ብሄረ ትግራይ ድማ ብኽልቲኡ ሸነኽ መረብ ዘሎ ትግርኛ ተዛራባይ ዝሓውስ ከምዝኾነ፡ ብሄራዊ ቃልሲ ትግራይ ድማ ብናፅነት ክኸምበት ከምዘለዎ ዘየላጢ መርገፂ ዝሓዘ ውድብ እዩ።

እዚ ግልፅን ዘየሻምን ናይ ሃገርነት ኣጀንዳ ዝተሸከመ ውድብ ህልውንኡ ዘብቀዐ ብወገን ህወሓት ብዝተወሰደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ሰፊሩ ንረኽቦ። ኣረጋዊ (2008) ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ግገሓትን ዝነበረ ዘተ ካብቶም ሰለስተ ፍልልይ ዝፈጠርሎም ነጥብታት እቲ ቀንድን ናይ መጀመሪያን ናይ ናፅነት ሕቶ ምንባሩ ብምግላፅ፤ ናይ ግገሓትን ህወሓትን ናይ ሓባር ኣኼባ ኣብ ዝተፀወዐሉ ኣጋጣሚ ኣብ ግገሓት ዝነበረ ውሽጣዊ ፀገም ምኽንያት ብምግባር ክልተ ኣመራርሓ ብምቕታል እቲ ውድብ ሙሉእ ንሙሉእ ዘጥፍእ ስጉምቲ ብወገን ህወሓት ከምዝተወሰደ ይገልፅ። ያንግ ብግዲኡ፡ ህወሓት ናይ ግገሓት ቃልሲ ናፅነት ቃልሲ ብተሪር ይቃወም ምንባሩን ንግገሓት ድማ ነቓፅ ፀቢብ ብሄርተኛ ኢሉ ከምዝፈረጆ የብርህ። ገብሩ ታረቀ ድማ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ግገሓት ዝወሰዶ ስጉምትን ሳዕቤኑን ብኸምዚ ይገልፆ፦

The TLF vanished from the scene following the brutal murder of its top leadership by the TPLF

ሓርፋፍ ትርጉም፦

መራሕቲ ግገሓት ብህወሓት ምርሻኖም ስዒቡ እቲ ውድብ (ግገሓት) ቅሂሙ ይብል !

ናይ ሃገርነት ኣጀንዳ ተዓጢቑ ናብ ሜዳ ትግራይ ቅድሚ ህወሓት ዝወረደ ውድብ በቲ ቀዲሙ ዝተጠቐሰ ኣገባብ ክጠፍእ ተገይሩ። እዚ ውድብን ብሄራዊ ሕትኡን ንምጥፋእ ብውነ ከምዝተሰርሐሉ ኣብ ናይ ህወሓት ሰነዳት ከይተረፈ ብዘይሕንከት ሰፊሩ ንረኽቦ። ናይ ህወሓት ዓለም ለኻዊ መስመር ዘስገኦም ፀበብቲ ብሄርተኛታት ተጋሩ ኣብ ትሕቲ ግገሓት ተወዲቦም ብርዥዋዊ ብሄርትኝነት የጋውሑ ስለዝነበሩ፤ ነዚ ሓደጋ ዝተረድአ ህወሓት ኣብ እዋኑ ቅልጡፍ ውሳነ ብምሕላፍ ብትሉም ስርሒት ንውድብ ግገሓት ኣጥፊእዎ እዩ።[3] ብምዃኑ እውን እዚ ውድብ፡ ፀቢብ ብሄርትኝነት ዝብል ታርጋ ብምልጣፍ ግገሓት ከም ውድብ ክጠፍእ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስራሕ ወጊኑ እዩ።

ናብ ገድሊ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ዝኸተተ ኣብዝሓ ተጋዳላይ ትግራይ ብሄራዊ ስሚዒቱ ደፋፊእዎ ኣካል እቲ ቓልሲ ከምዝኾነ ኣየማትእን። ናይዚ ጥሉል መርኣያ ድማ 1968 ዝወፀ ማኒፌስቶ እዩ። እዚ ማኒፌስቶ ናይ ትግራይ ታሪኻዊ ግዝኣት ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ትግራይ ሃገርነት ዝእውጅ ታሪኻዊ ማኒፌስቶ እዩ። ይኹን እምበር እዚ ማኒፌስቶ ብዙሕ ከይፀንሐ ተኣራርዩ ተቓፂሉ፣ናይ ሃገርነት ብሄራዊ ሓሳብ እውን ብፅኑዕ ተወጊዙ። ያንግ፡ ናይ 1968 ማኒፌስቶ ምስወፀ ብዙሕ ከይፀንሐ ከምዝተወገዘን ካብቲ እዋን ጀሚሩ ህወሓት ዝሓፍረሉ ሰነድ ምዃኑን ብኸምዚ ይገልፆ፦

  In any event shortly after the Manifesto was published it was disowned and has been a source of embarrassment for the TPLF ever since.

1968 ዝወፀ ማኒፌስቶ ካብ ትሕዝትኡ ብዝዘለለ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ብሄራውያን ተቓለስቲ ከምዝነበሩ የርኢ እዩ። ኣብቲ ውድብ ንሃገርነት ዝቃለሱ ብሄራውያን ተቓለስቲ ሰለዝነበሩ እዩ፡ እዚ ማኒፌስቶ ተዳልዩ ናብ ተጋደልቲ ክብተን ዝኸኣለ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህወሓት እንትበዝሕ ምስ ዓለም ለኻዊ መስመሩ ዝፃባእ ትሕት እንትብል ድማ ንስልቲ ዝጥቀመሉ ብሄራውነት ናብ ስትራቲጂክ ዕላማ ዘበርኽ ማኒፌስቶ ስለዝነበረ እዩ ክጠፍእን ካብ ታሪኽ ክሕከኽን ብስፍሓት ዝሰርሐ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣለምሰገድ (1998) ዘስፈሮ፡ መራሕቲ ህወሓት ብሄራውያን ከይኮኑ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፈሎ ብሄራዊ ቃልሲ ዝመርሑ ስለዝኾኑ።

ህወሓት ምስተመስረተ ድሕሪ 10 ዓመት ዝተጣየሸ ማርክሲስት ሌኒንስት ሊግ ትግራይ (ማሌሊት) ብብርኪ ስልቲ ኣብ ረብሓ ዝውዕል ዝነበረ ብሄራውነት ጠቕሊሉ ክቕህም ዝገበረ ውዳበ እዩ። ማሌሊት ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሓንኪኹ ብምድርባይ፤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ይጠፍእ ንዝነበረ ስነ ሓሳብ ማርክሲስዝም ሌኒንዝም ዝተሃገረሉ ኩነት እዩ፡፡ ማሌሊት ብዝምልከት ያንግ (1997) ከምዚ ይብል፡

ናይ ማሌሊት ዝርዝር ዕላማታት ፍልይ ዘብሎ ናይ ትግራይ ብሄርተኝነት ዝምልከት ሓሳብ ዘይምህላው እዩ። እዚ ውድብ ናይ ህወሓት ማርሲስታዊ ባህሪ ካብ ምጥንኻሩ ብላዕሊ፤ ናይ ማሌሊት ዕላማ ብብርኪ ኢትዮጵያ ሓደን ጥርኑፉን ማርክሰ-ሌኒንስታዊ ውድብ ምምስራት እዩ ይብል። ገብሩ ታረቀ(2009) ድማ፡ ናይ ህወሓት ሕሉፍ ማርክሲስት ውድብ ምስ ኩሎም ፀጋማዊ ኣተሓሳስባታት ተፃሊኡ ምስ ዝተፈንፈነት ሃገረ ኣልባንያ ዝቖረበ ኣተሓስስባ ምንባሩ ብምግላፅ፤ ማሌሊት ፀላእቲ ኢሉ ዝበየኖም ሓይልታትን ኣተሓሳስባታትን ድማ ብኸምዚ ይገልፆም፡

 ‹‹Anti-imperialist, antifascist, and anti-Zionist, the party was committed not only “to spreading Marxism-Leninism throughout the world” but to opposing “all branches of revisionism (Khrushchevism, Titoism, Trotskyism, Maoism, and Euro-Communism.” 

ማሌሊትነት፡ ናይ ህወሓት ሕሉፍ ፀጋማውነትን ፀረ ብሄራውነትን ኣውራ መግለፂ እዩ። እዚ ውዳበ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝፀንሐ ብብርኪ ስልቲ ዝግለፅ ጨና ብሄራውነት ብኣልማሚት ብምጥፋእ ኣልፋ ኦሜጋ ናይ ቃልሱ ዛዕባ ናብ ማርክሰ-ሌኒንዝም ዝተለወጠሉ ኩነት እዩ። ሓምለ 1977 ኣብ በረኻታት ወርዒ ምስረታ ማሌሊት ኣብ ዝሳለጠሉ እዋን ካብ ምብራቕ ጀርመን ተዓዲሙ ዝመፀ ጋዜጠኛ ነቲ ኩነታት ዝገለፀሉ ኣገባብ ምቕማጥ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ጋዜጠኛ ምስረታ ናይዚ ሕሉፍ ፀጋማዊ ውዳበ ንዓለም ከጋውሕ ካብ ምብራቕ ጀርመን ተዓዲሙ ብሱዳን ኣቢሉ ወርዒ ዝኣተወ ኾይኑ፤ በረኻታት ወርዒ ኣብ ዝኣተወሉ ቅፅበት ዓበይቲ ባነራት ሰለስተ ስላሴታት ሶሻሊዝም (ማርክስ፣ ኤንግልስን ሌኒንን) ብበዝሒ ተሰቒሉ ምስረኣየ፡ “እዞም ሰባት ኣብዚ ጭው ዝበለ በረኻ እንታይ ይዋርዩ ብምባል ኣግራሞቱ ገሊፁ እዩ።[4] ማሌሊት ምስ ናይ ትግራይ ጭቡጥ ኩነታት ዘይሳነ ሲንግጥር ውዳበ ምዃኑ ንምግላፅ ነይሩ ኣግራሞቱ በዚ ልክዕ ዝገለፀ።  

ምስረታ ማሌሊት ስዒቡ “ድፋዕ ማሌሊት ኣይስበርን፣ ኣዶ ትግራይ ኣይትሕረድን” ናብ ዝብል ጭርሖ ተለዊጡ። ተጋዳላይ ትግራይ ዝዋገአሉ፣ ናይ ኣካልን ህይወትን መስዋእቲ ዝኸፍለሉ ብሄራዊ ዕላማ ዘይኮነስ ማሌሊታዊ ስነ ሓሳብ ምንባሩ ቁልጭ ኣቢሉ ዘብርህ እዩ። ኣርማ ፀረ ብሄራዊነት ዝኾነ ማሌሊታውነት ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ብዕሊ መራሒ ሓሳብ ህወሓት ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፤ ኣብ ፅባሕ ውድቀት ደርጊ ካብ ኣደባባይ ናብ ውሻጠ ክኣቱ ተገይሩ። ስለዚ ማሌሊትነታውነት ኣብ ሓደ እዋን ተራእዩ ዝጠፍአ ፖለቲካዊ እምነት ዘይኮነስ፤ ሐዚ እውን ሕብሩ ለዊጡን ተኸዊሉን መከራ ትግራይ ዘናውሕ ዘሎ ናይ ውሻጢ ኣተሓሳስባ ምዃኑ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ።

መኸምበቲ

ህወሓት ከም ብሄራዊ ሓይሊ ትግራይ ዝሰርዕዎ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ብኣውርኡ ናይ ህወሓት ዕላማን ባህርን ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ኮይኑ፤ እዚ ቄናን ርድኢት ናይ ትግራይ ፖለቲካ ዝተዛብዐ ምስሊ ክሕዝ ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ። ያንግ (2021) ሰነ ሓሳብ ህወሓት ካብ ናይ ራሽያ ቦልሸቪክ ፓርቲ ብቐጥታ ዝተቐድሐ ምዃኑ ኣብ ዘብርህ ፅሑፉ ህወሓት ብሄራዊ ሓይሊ ከምዘይነበረን ብመንፅር ስትራቴጂካዊ ዕላምኡ ድማ ካብ ኢህኣፓ ከምዘይፍለን ብዝርዝር ይገልፅ። ያንግ፡ ንቦልሺቪክስ “nationalist in form, socialist in content” ብምባል ዝገልፆም እንትኸውን፤ ብተመሳሳሊ እዚ ብያነ ንህወሓት እውን ዝገልፅ እዩ።

ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ስትራቴጂካዊ ዝምድና ዝፈጠረ ምስ ብሄራውያን ሓይልታትን ውድባትን ዘይኮነስ፤ ናይ ኢትዮጵያ ኢምፓየር መሰረታዊ ባህሪ ከቐፅሉ ምስዝቓለሱ ከምኒ ኢህዴን ዝበሉ ኢትዮጵያውን ውድባት ነይሩ። ንናፅናት ዘቕንዐ ብሄራዊ ዛዕባ ተሓንጊጡ ዝቃለስ ብሄርተኛ ውድብ ግገሓት ‘ፀቢብ ብሄርተኛ፣ ብርዥዋ ብሄርተኛ’ ዝብሉ ታርጋታት ብምልጣፍ ዘጥፍኦ፤ ህወሓት ፀጋማዊ ሰነ ሓሳባዊ ፀግዕን ውግናን እምበር ብሄራዊ ዕላማ ስለዘይነበሮ እዩ። ስለዚ ህወሓት ልዕል እንትብል ብሕብረት ሽቃሎ ዓለም ኣቢሉ ዝገሃድ ምልኪ ሽቃሎ ዓለም (proletariat dictatorship) ንምርግጋፅ ዝቃልስ፤ ትሕት እንትብል ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰፈነ መዳባዊ ጎንፂ (Class contradiction) ንምፍታሕ ዝሃቀነ ቃልሲ ዝወጠነን ዘካየደን ውድብ እምበር ብሄራዊነት ዓጢጥዎ ብረት ዘልዓለ ሓይሊ ኣይኮነን።

መወከስቲ (references)

  1. ኮሎኔል ኢያሱ መንገሻ (2006) መለስ ዜናዊ እና የህወሓት የትግል ጉዞ (1977-79)፣ ቅፅ ሁለት
  2. Some stands of the Marxist-Leninist core in the Tigray People’s Liberation Front, TPLF (may 1984)
  3. Gebru Tareke (2009) the Ethiopian Revolution, War in the Horn of Africa
  4. John Young (1997), Peasant revolution in Ethiopia
  5. Aregawi Berhe (2008) A Political History of the Tigray People’s Liberation Front (1975-1991): Revolt, Ideology and Mobilization in Ethiopia
  6. Mullugeta Gebrehiwot Berhe, (2019) Laying the Past to Rest: The EPRDF and the Challenges of Ethiopian State
  7. Bahru Zewde (2014) The quest for socialist Utopia: Ethiopian student Movement c. 1960-1974
  8. Alemseged Abay (1998), Identity Jilted or Reimaging identity the divergenet paths of Eritrean and Tigryan Nationalist Struggles
  9. John Young (2021) Bolshevism and National Federalism in Ethiopia

 

 

 

 


 

 

 

ኣያም ሚድያ

ኣያም ዝብል ቃል ብስሕበት ኣቕልቦ ዝግለፅ ብሌን ልቦና የመልኽት። ዝኾነ ሰብ "ኣያም በል" እንተይሉ ልቢ በል፣ ኣስተውዕል፣ ኣስተብህል፣ ቀልቢ ግበር እዩ ዝብል ዘሎ።
ኣያምታ ፦ትኹረት ፣ኣቓልቦ፣ ርእዮትን ኩለንተናን እዩ።

https://www.ayyammedia.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *